top of page

ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተሰብን፡ ተመኩሮታት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ


ኣብያተ-መዘክር ኣታዊታት ንምኽዕባት ዘየድህባ፡ ውርሻታት ሕብረተሰባትን ኣከባቢኦምን ብምእካብ፡ ምጽናዕን ምዕቃብን ከምኡ ድማ ናብ ምርኢት ብምድላው፡ ንመጽናዕቲ፡ ትምህርትን ተምሳጥን ሕብረተሰባት ቀዳምነት ሂበን ተልእኾአን ዝስእላ፡ ንኣገልግሎትን ምዕባለን ሕብረተሰባት ዝቖማ ህዝባውያን ትካላት ኢየን። እዚ ብ1989 ኣብ መበል 16 ሓፈሻዊ ዋዕላ ኣህጉራዊ ቤት-ምኽሪ ኣብያተ-መዘክር ዝጸደቐ ስፊሕ ትርጉም፡ ንሓያለ ካብተን ኣበየ-ኩርንዓት ዓለምና ዝርከባ ኣብያተ-መዘክር ዝገልጽ ኮይኑ፡ ብመንጽር እዚ ትርጉም ከኣ ራኢ ናይዘን ንኣገልግሎት ህዝቢ ዝቖማ ትካላት ይሰኣል። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዝርከባ ኣብያተ-መዘክር ነዚ ትርጉም ሓዚለን ዝነጥፋ ብምዃነን፡ ተራ ኣብያተ-መዘክር ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምድህሳስ፡ ተመክሮ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ`ዚ ዓንቀጽ ቀሪቡ ኣሎ። ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኩሉ ምዕራፋት ታሪኽ ወዲ-ሰብ ዝውክሉ ኣሰራት ዝውንን፡ ባህርያውን ባህላውን ብዙሕነት ዘንጸባርቕን ሃብታም ዞባ ኢዩ። ክንድ ዝኾነ፡ ኣብ`ዚ ዞባ ዝርከቡ ውርሻታት፡ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ንምክፋት ድርኺት ዝፈጥሩ ኢዮም። ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ መበል 10ይ ዓመት ጽንብል ስርሒት ፈንቅል፡ ንባህርያዊ ፡ ባህላውን ስነ-ጥንታውን ውርሻታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንህዝቢ ንምርኢት ከቕርብ ሓሊኑ ዝቖመ ትካል ኢዩ። ዛጊት ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት፡ ንጥፈታት እዚ ዞባዊ ቤተ-መዘክር፡ ብቀንዱ ኣብ ህዝባዊ ተሳትፎን ደገፍን ዝተሰረቱ፡ መደባት መጽናዕትን ህዝባዊ ዘመተን ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን፡። ነዞም ሰፋሕቲ መደባት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፡ ተመኽሮታት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ህዝቢ ዘነጽሩ ኣብነታት ኣብ`ዚ ዓንቀጽ ሰፊሮም ኣለዉ። ዝምድናታት ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተሰባትን፡ ሓያል ጻዕሪ ዝሓትትን ሰፊሕ ዘመተ ህዝባዊ ኣፍልጦ ዝጠልብን ዕማም ኢዩ። ሕብረተሰባት ካብ ኣብያተ-መዘክር ዝከስብዎ ኣገልግሎት ዓብይ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብያተ-መዘክር ድማ ምስ ሕብረተሰባት ብቀረባ ብምስራሕ፡ ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ውርሻታት ሕብረተሰባት ብምእካብ፡ ናብ ምርኢት የቕርባ። ውሁድ ዝምድናታት ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተሰባትን፡ ኣብ መንጎ ኪኢላታት እዚ ዓውድን ኩሉ ክፋላት ሕብረተስብን ዝፍጠር ናይ ምብህሃል መስርሕ ሰረት ገይሩ ዝምዕብል ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብያተ-መዘክር ነዚ ክውን ዝገብር ራኢ ክህልወን ይግባእ። ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ብምውዳብ፡ ህዝቢ ናብ ኣብያተ-መዘክር ንምብጻሕ ኣድላዩ ኣገልግሎት ብምቕራብ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ብምንቅስቃስ ኣብ ዝተፈላለዩ ውርሻታት መጽናዕትታት ምኽያድ፡ ቀጻሊ ክስርሓሎም ዘድልዮም ንጥፈታት ኣብያተ-መዘክር ኢዮም። ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ክውንነት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሲሩ፡ ካብ ሰሜናዊ ጫፋት እዚ ዞባ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ደሴታት፡ ሰፊሕ ዘመተ ህዝባዊ ኣፍልጦ ኣካይዱ ኢዩ። እዚ ኣብ ኩለን ንኡስ ዞባታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተካየደ ዘመተ ህዝባዊ ኣፍልጦ፡ ብቀንዱ ኣፍልጦ ህዝቢ ንምዕባይን ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ምሕብሓብን ምዕቃብን ውርሻታቱ ንምፍጣርን ዕላማ ዝገበረ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ንጥፈታት፡ ባህላዊ ጸጋታት እዚ ዞባ ንምልላይ ዓቢ ኣበርኽቶ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ሓያለ ባህላዊ ጸጋታት ንምእካብ ድርኺት ዝፈጠረ`ውን ኢዩ። ከም ግብረ-መልሲ ናይዞም ንጥፈታት፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ህዝቢ ምስኡ ንነዊሕ ዓመታት ተዓቂቦም ዝጸንሑ ባህላዊ ጸጋታት ብመልክዕ ወፈያ ንዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከረኽብ ኪኢሉ። ፍልጠት፡ ተመኽሮን፡ ክእለትን ህዝቢ፡ ባህላዊ ጸጋታት ኣብ`ዚ ዞባ ዝርከቡ ብሄራት ኣብ ምርኢት፡ ኣድላዩ ሓበሬታ ሓዚሎም ክንጸባረቑ ከኣ ሰረት ኮይኖም። ተራ ኣብያተ-መዘክር ኣብ ሕብረተሰባት፡ ምስ ፖሎቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባውን ድሕረ-ባይታ ሕብረተሰባትን ሕጋውን ስነ-ምግባራውን መኣዝናቶምን ተኣሳሲሩ ዝርአይ መስርሕ ኢዩ። እዚ መስርሕ፡ንፖሎቲካውን ባህላውን ክውንነት ሕብረተሰባት ከምኡ ድማ ቁጠባዊ ጸጋታቶም በቲ ሓደ ወገን፡ ንኣገዳስነት ባህላዊ፡ ባህርያውን ታሪኻውን ውርሻታት ሕብረተሰባት ከኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ግቡእ ትርጉም ብምሃብ ኣብ ባይታ ይረጋገጽ። ኣብያተ-መዘክር፡ ኣብ ምሕብሓብን ምድልዳልን ሃገራዊ መንነት ከምኡ`ውን ምዕቃብ ባህላውን ባህርያውን ውርሻታትን ጸጋታትን ኤርትራ ምርግጋጽ ተራአን ገዚፍ ክኸውን የድሊ። ህዝቢ ኣፍልጦኡን ግንዛቤኡን ክዓብይ፡ ቀጻሊ ዝሰኣሉን ዝትግበሩን መደባት ክሕንጽጻ ከኣ ይግባእ። ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንመንእሰያት እዚ ዞባን ኣካላት ሰራዊትን ዕላማ ዝገበረ ሓያለ ሰሚናራት ብምውዳብ፡ እዞም ቀንዲ ተዋሳእቲ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ኣፍልጦኦም በቲ ሓደ ወገን ኣብ ታሪኽን ውርሻታትን ክዓቢ ብካልእ ሸነኽ ከኣ ተራኦም ኣብ ምዕቃብ እዞም ውርሻታት ክዓዝዝ ቀሊል ዘይኾነ ኣበርኽቶ ገይሩ ኢዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ዝኻየዱ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ንምርግጋጽ፡ ተራኡ ክጻወት ጸኒሑን ኣሎን። ህዝቢ ብንጥፈት ኣብ ዝኻየዱ ስነ-ፍልጠታዊ ስርሓት ኣበርኽቶ ክገብርን፡ ረብሓታት እዞም ንጥፈታት ከኣ ክኻፈልን ብምኽኣሉ፡ ኣብ`ዚ መዳይ ዱልዱል ዝምድናታት ምስ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ክህልዎ ኪኢሉ። ኣብ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ፕሮጀክትታት ኣዱሊስን ቡያን፡ ተሳትፎ ህዝቢ ዙላን ኣፍታን ንኡስ ዞባ ፎሮን፡ ከባቢታት ቡያ ንኡስ ዞባ ገልዓሎን ጉሉሓት ኣብነታት ኢዮም። እዞም ንጥፈታት ተራኦም ማዕረ`ቲ ምርኢት ብምውዳድ ንህዝቢ ዝወሃብ ኣገልግሎት ምዃኑ ምጥቃሱ ኣድላዩ ኢዩ። ቀንዲ ተልእኾ ኣብያተ መዘክር፡ ንውርሻታት ሕብረተሰባት ዓለም ምውሓስን ምዕቃብን ኮይኑ፡ እዘን ትካላት፡ ንውርሻታት ሕብረተሰባት ዓለም ትርጉምን ዋንነትን ክለብሱ፡ ኣድላዩ ዝኾነ ጻዕርታት ይገብራ። ነዚ ዕማም ክውን ምግባሩ፡ ተራ መሻርኽቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ኣገዳሲ ይከውን። ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምውሓስን ምዕቃብን ውርሻታት ንምርግጋጽ፡ ምስ መሻርክቲ ሚኒስትርታት ቱሪዝም፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሕርሻን፡ ማይ፡ መሬትን ኣከባብን፡ ኣብ መደብ ዉሁድ ምሕደራ ጸጋታት ተጸሚዱ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣካይዱ ኢዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተርእዮታት ዘይሕጋዊ መሻጣ ውርሻታትን ቅርስታትን ንምውጋድ፡ ምስ ኣካላት ግምሩኽ ብምህሃድ፡ ንኣባላት ግምሩኽ ግንዛቤኦም ኣብ`ዚ መዳይ ክዓቢ ሰሚናራት ወዲቡ። እዞም ንጥፈታት ብቀጻሊ ክስርሓሎም ዘድልዮም ብምዃኑ ድማ፡ ኣካል ሰፊሕ መደባት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኢዮም። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣህጉራዊ ቤት- ምኽሪ ኣብያተ-መዘክር ዓመታዊ ኣብ ግንቦት 18 ዝጽንበል ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣብያተ-መዘክር ዓለም`ውን ሓደ ካብ ኣገደስቲ ንጥፈታት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክበዓል ጸኒሑ ኣሎ። ኣድማሳዊ ቴማታት ሓዚሉ፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰባት ንምብራኽ ዝኻየድ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣብያተ-መዘክር ዓለም፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓለፍቲን ሰራሕተኛታት ዞባ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ፡ ተማሃሮን ናብ ቀጽሪ ቤተ-መዘክር ብምዕዳምን፡ ናብ ታሪኻዊ ቦታታት ብምብጻሕን፡ ተልእኾ ኣብያተ-መዘክር ኣብ ሕብረተሰብ ንምጉላሕ ክጽንበል ብምጽናሑ እምበኣር፡ ዝምድናታት ቤተ-መዘክር ምስ ሕብረተሰብ ንምድልዳል ኣገዳሲ ተራ ይጻወት። ክንዮ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣብነታት ዘመተ ህዝባዊ ኣፍልጦ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ስርሓትን ተራ መሻርኽቲ ኣካላትን፡ ኣብ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝተዋደደ ምርኢት፡ ዝምድናታት ሕብረተሰብ ምስ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ደረጃ ብደረጃ ክዓብይ ዓብይ ተራ ይጻወት። ንባህርያዊ ጸጋታት፡ ባህላዊ ብዙሕነት፡ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት፡ ታሪኽ መግዛእትን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዘጉልሑ ትሕዝቶታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ንምርኢት ኣብ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ቀሪቦም ኣለዉ። እዚ ቤተ-መዘክር ንኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣገልግሎት ክህብ ዝቖመ ብምዃኑ በቲ ሓደ ወገን፡ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተደዂኑ ብምህላዉ ከኣ በቲ ካልእ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ኤርትራን ዝመጹ ዜጋታትን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ከአንግድ ጸኒሑ ኣሎ። ተምሳጥ እዞም ዜጋታት ኣብ ውርሻታቶም ከምኡ ድማ ዝህብዎ ሃናጺ ርእይቶታትን፡ ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተሰብን፡ ተመኩሮታት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብርሃም ዘርኣይ እዚ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ብቀጻሊ ነዚ ምርኢት ትርጉም ምልባሱ ጻዕርታቱ ከዕዝዝ ኪኢሉ ኢዩ። ብካልእ መዳይ ናብ ሃገርና ዝበጽሑ ቱሪስትን ዲፕሎማሰኛታትን ቀንዲ በጻሕቲ ናይ`ዚ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ምዃኖም ከኣ፡ ተራ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምልላይ ጸጋታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ፡ እዞም ኣብ`ዚ ዓንቀጽ ዝቐረቡ ኣብነታት፡ ንተመኽሮታት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምድህሳስ፡ ተራ ኣብያተ-መዘክር ሃገርና ኣብ ሕብረተሰብና ብቀጻሊ ክዓዝዝ ዘመልክቱ ኢዮም። ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘድሊ ኣፍልጦ ኣብ ውርሻታት ኤርትራ ክህልዎ፡ ዝምድናታተን ምስ ኩሉ ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ምምዕባል ኣድላዩ ምዃኑ ከኣ ተመኹሮታት ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ1 የነጽር።

bottom of page