top of page

ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተሰብን

ትርጉም ቤተ-መዘክር እንታይ`ዩ፣ ዓይነታት ኣብያተ-መዘክር እንታይ ይመስሉ። ካብ ዓርከ-መሓዛ ናብ ቤተ-መዘክር ንምብጻሕ ዕድመ ምስ ዝቐርበልካ/ኪ እንታይ ግብረ-መልሲ ምሃብካ/ኪ። ኣገልግሎታትን ተልእኾን ኣብያተ-መዘክር እንታይ`ዩ፣ ዝምድናታት ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተ-ሰባትን ብኸመይ ይርአ። ክንደይ ካባና ናብ ኣብያተ-መዘክር ሃገርና በጺሕና ኣለና። ኣብ`ዚ ዓንቀጽ፣ ትርጕም ኣብያተ-መዘክርን ርድኢት ዝምድናታቶም ምስ ሕብረተ-ሰባትን ቀሪቡ ኣሎ። ኣብያተ-መዘክር፣ ባህላዊ ማእከላት ብምዃን፣ ንኣገልግሎት ህዝቢ ቀዳምነት ሂበን ዝሰርሓ ትካላት ኢየን። ሕብረተ-ሰባት ምስ ሕሉፍ ታሪኾም ዘለዎም ዝምድናታት ንምጉላሕ፣ ንታሪኾም ዘረድኡ ነገራዊ ኣሰራት ኣብ ምርኢት ብምቕራብ ከኣ፣ ማሕበራዊ ጥምረት ኣብ ሕብረተ-ሰባት ምፍጣር ከም ቀንዲ ተልእኾአን ይሰርዓ። ተምሳጥ፣ ትምህርትን ግንዛበን ኣብ’ዞም ሕብረተ-ሰባት ንምድራኽ ዓሊመን ዝነጥፋ፣ ኣበየ-ኩርንዓት ዓለምና ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ-መዘክር፣ ህዝብታት ከም ቀንዲ ተሳተፍቲ ተልእኾአን ወሲደን፣ ክእለት፣ ፍልጠትን ተመክሮታትን ዝተፈላለዩ ሕብረተ-ሰባት ምስ ንጥፈታተን ኣዛሚደን ይሰርሓ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት፣ ትርጕም ኣብያተ-መዘክር ዝድህስስን ዝገልጽን ሓበሬታ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ከም ኣብነት፣ ብቋንቋ እንግሊዝ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ዝቐርብ ዝርዝር፣ ኣብ ውሑድ ካልኢታት ኣማኢት ኣሽሓት ገጻት ምፍታሽ የኽእል። እዚ ኣብ ዲጂታላዊ መርበባት ዝሰፍር መግለጺታት፣ ንዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ኣብያተ-መዘክርን ተልእኾአን ዝውክል ብምዃኑ ከኣ፣ እቲ ብውድብ ትምህርቲ፣ ስነፍልጠትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወሃብ ትርጕም ኣብያተ-መዘክር፣ ክኢላታት ናይ’ዚ ሞያ እዚ ብሰፊሑ ይሰማምዕሉ። ብመሰረት እዚ ትርጕም’ምበኣር፣ ኣብያተ መዘክር ኣታዊታት ንምኽዕባት ዘየድህባ፣ ውርሻታት ሕብረተ-ሰባትን ኣከባቢኦምን ብምእካብ፣ ምጽናዕን ምዕቃብን ከምኡ ድማ ናብ ምርኢት ብምድላው፣ ንመጽናዕቲ፣ ትምህርትን ተምሳጥን ሕብረተ-ሰባት ቀዳምነት ሂበን ተልእኾአን ዝስእላ፣ ንኣገልግሎትን ምዕባለን ሕብረተ-ሰባት ዝቖማ ህዝባውያን ትካላት እየን። ቀንዲ ተልእኾ ኣብያተ መዘክር፣ ብቐንዱ ንውርሻታት ሕብረተ-ሰባት ዓለም ምውሓስን ምዕቃብን ኰይኑ፣ እዘን ትካላት፣ ንውርሻታት ሕብረተሰባት ዓለም ትርጕምን ዋንነትን ክለብሱ፣ ኣድላዪ ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተሰብን ዶ/ር ጸጋይ መዲን ዝዀነ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ይገብራ። ኣብያተ-መዘክር፣ ብሓፈሻኡ፣ ማእከላት ምርምር፣ ምዕቃብን ምርኢትን ባህልታትን ውርሻታትን ሕብረተ-ሰባት እየን። ዓይነታት እዘን ህዝባዊ ትካላት ኣብ ግምት ኣትዩ፣ ትምህርታዊ ተልእኾአን፣ ማዕረ`ቲ ዝገብራኦ ስነ-ፍልጠታዊ ስርሓት ዝስራዕ እዩ። ኣብ ዓለምና ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለወን ኣብያተ-መዘክር ክህልዋ እንከለዋ፣ ንጥበብ፣ ባህርያዊ ጸጋታት ሕብረተ-ሰባት፣ ስነ-ፍልጠታዊ ምህዞታት፣ ባህላውን ስነ-ጥንታዊ ትሕዝቶታት፣ ተዘክሮታት ኲናት ዘንጸባርቑ ከምኡ`ውን ብፍሉይ ንህጻናት ኣገልግሎት ክህቡ ዝቖሙ ዓይነታት ኣብያተ-መዘክር፣ ከም ጉሉሓት ኣብነታት ክንጠቅስ ንኽእል። መብዛሕቲአን እዘን ኣብያተ-መዘክር፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓለማዊ (ግሎባዊ) ብዝሑነት ዝሓቊፍ ኣህጉራዊ ቤት-ምኽሪ ኣብያተ-መዘክር ይጥርነፋ። ኣህጉራዊ ቤት-ምኽሪ ኣብያተ-መዘክር ኣብ 1946 ብክኢላታት እዚ ዓውዲ ዝተመስረተ ትካል ኰይኑ፣ ኣስታት 37,000 ዝዀኑ፣ ንዓለማዊ (ግሎባዊ) ማሕበረ-ሰብ ኣብያተ-መዘክር ዝውክሉ ሞያውያን ብኣባልነት ይጠምር። እዚ ቤት-ምኽሪ በቶም ካብ 141 ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ክኢላታት ኣቢሉ ብድሆታት ኣበየ-ኩርንዓት ዓለም ዘለዋ ኣብያተ-መዘክር ንምፍታሕ ይጽዕት። ብልጽግናን ምዕባለን ሕብረተ-ሰባት ዓለም ኣተኵሮ ብምሃብ ዝነጥፍ ኣህጉራዊ ቤት-ምኽሪ ኣብያተ-መዘክር፣ ንምዕቃብ ባህላዊ ጸጋታትን ውርሻታትን ዓለምና ብቐዳምነት ይጥምት። ኣብ ትሕቲ ጽላል እዚ ቤት-ምኽሪ፣ ዓመታዊ ኣብ ግንቦት 18 ዝጽምበል ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣብያተ-መዘክር ዓለም፣ ኣድማሳዊ ቴማታት ሓዚሉ፣ ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰባት ንምብራኽ ይካየድ። ኣብያተ-መዘክር ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰባት ኣብ ባህላውን ታሪኻውን ውርሻታቶም ንምዕባይ፣ ዝተፈላለዩ ባህርያዊ፣ ባህላውን ታሪኻውን ኣገዳስነት ዘለዎም ቅርስታት ብምእካብን ኣድላዪ ሓበሬታን ትርጕምን ብምልባስን፣ ውሑስ ናይ ምዕቃብ መስርሕ የረጋግጻ። ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ፣ ተራ ኣብያተ-መዘክር ኣብ ሕብረተ-ሰባት፣ ምስ ፖለቲካዊ፣ ባህላዊ፣ ቁጠባውን ድሕረ-ባይታ ሕብረተ-ሰባትን ሕጋውን ስነ-ምግባራውን መኣዝናቶምን ተኣሳሲሩ ዝርአይ መስርሕ ኢዩ። እዚ መስርሕ፣ንፖለቲካውን ባህላውን ክውንነት ሕብረተ-ሰባት ከምኡ ድማ ቁጠባዊ ጸጋታቶም በቲ ሓደ ወገን፣ ንኣገዳስነት ባህላዊ፣ ባህርያውን ታሪኻውን ውርሻታት ሕብረተ-ሰባት ከኣ በቲ ካልእ ወገን፣ ግቡእ ትርጕም ብምሃብ ኣብ ባይታ ይረጋገጽ። ክኢላታት እዚ ዓውዲ እምበኣር፣ ነዚ መስርሕ ኣብ ምትግባር፣ ምስ ሕብረተ-ሰባት ብቐረባ ክሰርሑ የድሊ። ክንድ-ዝዀነ፣ ኣብ መንጎ ሕብረተ-ሰባትን ኣብያተ-መዘክርን ድልዱል ዝምድናታት ክህሉ፣ ግቡእ ስነዳ ኣብ ምርኢት ዝቐርቡ፣ ባህላዊ፣ባህርያውን ታሪኻውን ጸጋታት ሕብረተ-ሰባት ይግባእ። ሓያሎ ክኢላታት እዚ ዓውዲ፣ ትርጕም ኣብያተ-መዘክር ብቐንዱ ምስ ግቡእ ስነዳዊ መስርሕ እዞም ውርሻታት ከም ዝዛመድ ይረዳድኡ። ግቡእ ስነዳዊ መስርሕ፣ ምልላይን ዕቃበን ዝተፈላለዩ ባእታታት እዞም ውርሻታት ሕብረተ-ሰባት ዘረጋግጽ፣ ጥበብን ስትራተጂን ምዃኑ ከኣ ይሰማምዑ። ዝምድናታት ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተ-ሰባትን፣ ሓያል ጻዕሪ ዝሓትትን ሰፊሕ ዘመተ ህዝባዊ ኣፍልጦ ዝጠልብን ዕማም ኢዩ። ሕብረተ-ሰባት ካብ ኣብያተ-መዘክር ዝኸስብዎ ኣገልግሎት ዓብይ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብያተ-መዘክር ድማ ምስ ሕብረተ-ሰባት ብቐረባ ብምስራሕ፣ ብዙሕነት ዘንጸባርቕ ውርሻታት ሕብረተ-ሰባት ብምእካብ፣ ናብ ምርኢት የቕርባ። ስጡም ዝምድናታት ኣብያተ-መዘክርን ሕብረተ-ሰባትን፣ ኣብ መንጎ ኪኢላታት እዚ ዓውድን ኩሉ ክፋላት ሕብረተ-ሰብን ዝፍጠር ናይ ምብህሃል መስርሕ ሰረት ገይሩ ዝምዕብል ስለ ዝዀነ ከኣ፣ ኣብያተ-መዘክር ነዚ ክውን ዝገብር ራኢ ክህልወን ይግባእ። ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ብምውዳብ፣ ህዝቢ ናብ ኣብያተ-መዘክር ንምብጻሕ ኣድላዪ ኣገልግሎት ብምቕራብ፣ ናብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ብምንቅስቓስ ኣብ ዝተፈላለዩ ውርሻታት መጽናዕትታት ምክያድ፣ ቀጻሊ ክስርሓሎም ዘድልዮም ንጥፈታት ኣብያተ-መዘክር እዮም። እዘን ትካላት ምስ ክውንነት ሃገራትን ሕብረተ-ሰባትን ተኣሳሲሩ ተጨባጢ ዝዀነ መደባት ክስእላን ከተግብራን ምስ ዝኽእላ ከኣ፣ ዝምድናታተን ምስ ሕብረተ-ሰብ ክዓብይ ይኽእል። ኣብ ሃገርና ኤርትራ፣ ንሃብታም ባህርያውን ባህላውን ውርሻታት ኤርትራ ምርኵስ ብምግባር፣ ዛጊት ክልተ ኣብያተ-መዘክር ይርከባ። ኣብ 1992 ዝተኸፍተ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ኤርትራን ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተደኲኑ ዘሎ ዞባዊ ቤተ-መዘክር ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕርን፣ ኣብ ሃገርና ንምዕቃብ ባህላውን ባህርያውን ታሪኻውን ውርሻታት ኤርትራ ቀዳምነት ሂበን ዝነጥፋ ዘለዋ ትካላት እየን። እዘን ኣብያተ-መዘክር፣ ንስነ-ጥንታዊ ትሕዝቶታት፣ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ታሪኽ ብረታዊ ቃልስን ባህርያዊ ጸጋታት ባሕርን መሬትን ናብ ምርኢት ንበጻሕቲ ይቕርባ። ንባህላውን ኢኮሎጂካውን ትሕዝቶታት ብመልክዕ ቅርስታትን ስነ-ኣሰር ህይወትን ንምርኢት ኣዳልየን ዘለዋ ኣብያተ-መዘክር ሃገርና፣ ተመሳሳሊ ዕላማታትን ራኢን ዘለወን ኢየን። ኣብ ምእካብን ምስናድን ምዕቃብን ቅርስታት ኤርትራ ተራ ክጻወታ ትጽቢት ዝግበረለን ኣብያተ-መዘክር ሃገርና ኣብ`ዞም ዕማማት ኣተኲረን ክሰርሓ ጸኒሐን ኣለዋ። ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ-ሰባት ኤርትራ፣ ድልዱል ዝምድናታት ንምፍጣር ዝግበር ንጥፈታት`ውን ሰፊሕ ክፋል ዕማም ናይ’ዘን ኣብያተ-መዘክር እዩ። ዛጊት፣ ዝተፈላለየ ንጥፈታት እኳ እንተተኻየደ፣ እዘን ትካላት ምስ ተልእኾአን ብምዝማድ፣ ዝተርፈን ገዚፍ ዕማም ከም ዘሎ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብያተ-መዘክር፣ ኣብ ምሕብሓብን ምድልዳልን ሃገራዊ መንነት ከምኡ`ውን ምዕቃብ ባህላውን ባህርያውን ውርሻታትን ጸጋታትን ኤርትራ ምርግጋጽ ተራአን ገዚፍ ክኸውን የድሊ። ኣፍልጦን ግንዛበን ህዝቢ ክዓብይ፣ ቀጻሊ ዝሰኣሉን ዝትግበሩን መደባት ክሕንጽጻ ከኣ ይግባእ። እዘን ኣብያተ-መዘክር ኩሉ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፣ ክበጽሐንን ክመሃረለንን ከምኡ ድማ ረብሓታተን ክካፈል ዓብይ ሓላፍነት ይስከማ። ኣብ`ዚ መዳይ፣ እዚ ተልእኾ ገና ኣብ መባእታዊ ደረጃኡ ዘሎ ምዃኑ ድማ፣ ሰፊሕ ስርሓት ክካየድ የድሊ። ናብ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘድሊ ኣፍልጦ ኣብ ውርሻታት ኤርትራ ንምብጻሕ፣ ዝምድናታተን ምስ ኩሉ ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ ምምዕባል ኣድላዪ እዩ። ንትርጕምን ተልእኾን ኣብያተ-መዘክር ከምኡ ድማ ዝምድናታተን ምስ ሕብረተ-ሰባት ብኸፊሉ ድሕሪ ምድህሳስ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓንቀጽ ንተመክሮታት ኣብያተ-መዘክር ኤርትራ ዝድህስስ ጽሑፍ ክቐርብ እዩ። ብምትሕብባር ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ዝዳሎ ዓምዲ

bottom of page