top of page

ባህላዊ ውርሻታት ድፋዓት ናቕፋ


ከተማ ናቕፋ፣ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብተን ዝበረኸ ቦታ እትውንን ታሪኻዊት ከተማ ኢያ። እዛ ብኣኽራናት ዝተኸበት ከተማ`ዚኣ ስትራተጃዊ ኣገዳስነታ ጎሊሑ ዝተራእየ ኣብ መጀመርታ ሰብዓታት ኢዩ። ካብቶም ዝነውሐን ዝመረረን ኲናት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ሳሕል ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ናቕፋን ከባቢኣን ኢዩ ተኻይዱ። እቶም ኣብ ከባቢ ናይዛ ታሪኻዊት ከተማ ዝርከቡ ብኸቢድ ዋጋን ውሕሉል ጥበብን ዝተሃንጹ ዕርድታት ናይዚ ህያው ምስክር ኢዮም። ኣብ መስከረም 1975 ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ናቕፋ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ወሲዱ። በዚ ዝተሻቐለ ጸላኢ ነቲ ዝነበረ ሰራዊቱ ተወሳኺ ዓቕሚ ደሪቡ የሐይልዎ። ይኹን እምበር ካብ ከበባ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከናግፎ ኣይከኣለን። ኣብ መስከረም 1976 ንሰራዊት ጸላኢ ደምሲስካ ንከተማ ናቕፋ ሓራ ንምውጻእ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ዳግማይ መጥቃዕቲ ወሲዱ። ናቕፋ ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ መሪር ኲናትን ምርብራብን ጸላኢ ምስ ተዳኸመ፡ ብ23 መጋቢት 1977 ብህዝባዊ ሰራዊት ሓራ ወጺኣ። ካብዚ ብምብጋስ ህዝባዊ ሰራዊት ንመብዛሕትአን ከተማታትን ንዝሰፍሐ መሬት ኤርትራን ክሳብ 1978 ሓራ ብምውጻእ ኣብ ትሕቲኡ ተቘጻጺርወን። ህዝባዊ ግንባር ነቲ ጸላኢ ብሕብረት ሶቬትን መሻርኽታን ተደጊፉ ዝረኸቦ ጸብለልታ ሚዛን ሓይሊ ንምምካት ሓይልታቱ ብዝግባእ ድሕሪ ምውዳብ፣ ንዝተናውሐ ኲናት ናብቲ ጽኑዕ ሰሜናዊ ክፋል መሬት ኤርትራ ሳሕል ስትራተጃዊ ምዝላቕ ገይሩ። ጸላኢ ኣብ ግዜ ምዝላቕ ካብ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከቢድ ክሳራ እናተሰከመ ሳልሳይ ወራር ብኽልተ ክንፊ፡ ብመሬት ናብ ኣፍደገ ናቕፋ፡ ብገማግም ባሕሪ ድማ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ጀሚርዎ። ናይ ጸላኢ ውጥን ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ክኸስብ ንታሪኻዊት ከተማ ናቕፋ ንምሓዝ ነበረ። ስለዚ ካብ 1979-1988፣ ንዓሰርተ ዓመታት ተኸታተልቲ ወራራት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ናቕፋ ተኻይዱ፣ ብጽንዓትን ተዋፋይነትን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ብምፍሻሉ ድማ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ናብ መድረኽ ስትራተጃዊ መጥቃዕቲ ክሰጋገር ክኢሉ። ሎሚ እዛ ታሪኻዊት ከተማ ሓቚፋቶም ዘላ፣ ድፋዓትን ትሕተ-መሬት ገዛውትን ብረታዊ ቃልሲ ምስክር ናይቶም መስተንክራዊ ፍጻመታት ኢዮም። ብሓፈሽኡ፣ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ከተማ ናቕፋ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ክጠቓለል ይከኣል። 1. ከተማ ናቕፋ፣ ካብ 1977-1978 ምንጪ ተስፋ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ንምሕራር ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ፣ ድርኺት ዝፈጠረት ከተማ ኢያ። 2. ከተማ ናቕፋ፣ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ብረታዊ ቃልሲ ግንዛበኡ የዕብዩ፣ ሰውራኡ ንምሕያል፣ ብብዝሒ ክስለፍን ብንጥፈት ንኽሳተፍን ሓጋዚ ተራ ዝነበራ ከተማ ኢያ። 3. ከተማ ናቕፋ፣ ተጋደልትን ህዝብን ኤርትራ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ሓድነት፣ ተወፋይነት፣ ጽንዓት ከምኡ ድማ ፖለቲካዊ ርጉእነት ዝሕመረቶም ክብርታት ሰውራ ክላበሱ መሪሕ ተራ ዝተጻወተት ከተማ ኢያ። 4. ከተማ ናቕፋ፣ ካብ 1976-1977፣ ከቢድ ናይ ለይትን ቀትርን ውግኣት ዝተኻየደላ ኮይና፣ ድሒሩ ዝበዝሑ ወራራት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግንባር ናቕፋ ምንባሩ፣ ፍሽለት እዞም ወራራት ዝተጋሃደላ ከተማ ኢያ። 5. ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝወረዶ ገዚፍ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት፣ ስርዓት ደርግ ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ናይ ዘተ መኣዲ ክጽመድ ክግደድ ብምኽኣሉ፣ ናቕፋ መሪሕ ተራ ትሕዝ። ሓወልቲ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ድፋዓት ናቕፋ፣ ውጽኢት ተባላሓትነትን ከቢድ ጸዓት ነፍሲ-ወከፍ ተጋዳላይ ኮይኖም፣ ንስትራተጃዊ ኣቀማምጣ ከተማ ናቕፋን ከባቢኣን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ መድረኻት ብረታዊ ቃልሲ ብውሕልነት ዝተሰርሑ ኢዮም። ድፋዓት፣ ካናለታት፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጹ ኣባይትን ዝሓቁፍ ባህላዊ ውርሻታት ግንባር ናቕፋ፣ ንኣስታት 180 ኪሜ ይዝርጋሕ። ኣብ`ቲ ብግንባር ናቕፋ ዝፍለጥ ቦታ ኣስታት 1500 ትሕተ-መሬት ገዛውቲ ከም ዘለዉ ይግለጽ። እዞም ድፋዓት ካብ ከባቢ ናቕፋ ብዝመጹ ገዘፍቲ ኣጉናድ፣ ዝተመርጹ ናይ ዓረ ኣእማን ከምኡ ድማ ብሳሕቲ ዝርኣዩ ናይ ምድረ-ባቡር ሓጻውን ዝተሰርሑ ኢዮም። ብፍላይ ነዞም ድፋዓት ንምህናጽ ዝመጹ ኣጉናድ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ሳሕልን ባርካን ዝተኣከቡ ምንባሮም፣ ገዚፍ ሃልክን ጸዓትን ተጋደልቲ ዝፈሰሶም፣ ምስክር ረቂቕ ክፋል ውርሻ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኮይኖም ይስነዱ። እዞም ካናለታት ኣስታት 1.80 ሜትሮ ቁመትን ኣስታት 80 ሰ.ሜተር ጎድንን ኣለዎም። ንቅርጺ መሬት ከባቢ ናቕፋ፣ ርሕቀትን ክሻፋ ጸላኢን፣ ስትራተጂካዊ ምርጫታትን ኣብ ግምት የእትዮም ዝተሃንጹ ድፋዓት ናቕፋ፣ ካብን ናብን ግንባር ናቕፋ ከምኡ ድማ ምስ ሓውሲ ሓራ መሬትን ደጀንን ዘተኣሳስር ዝነበረ መስመራት ይሓቊፉ። ኣብ ጸበብቲ ካናለታት ዝተሰርሑ ብተጋደልቲ ብ`ጁባታት` ዝፍለጡ ክፋላት ናይ ድፋዓት በቲ ሓደ ወገን ምንቅስቓስ ጸላኢ ንምቁጽጻር ዝተሓስቡ ኮይኖም፣ ካልኦት ጁባታት ድማ በቲ ካልእ ወገን ምስ ሓውሲ-ሓራ መሬትን ደጀንን ንምርኻብ ተባሂሎም ዝተሃንጹን ከም መውዓሊ ተጋደልቲ፣ ማእከል ትምህርታዊ ንጥፈታትን መዘናግዒ መደባትን ከምኡ ከኣ ንውጉኣት ከም ግዝያውያን ናይ ቀዳማይ ረድኤት ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ኢዮም። ዝበዝሑ እዞም ድፋዓትን ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጹ መአዘዚ ቤት ጽሕፈታትን ኣብ ከባቢ ናቕፋ ዘለዉ ኮይኖም፣ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገልጹ ዝተፈላለዩ ጭርሖታትን ኣሳእልን ዝወቀቡ ኢዮም። ገለ ካብዞም መኣዘዚ ነቑጣታት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ግንባርን፣ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባርን ዝነበሩን ኣብ ተቐራራቢ ርሕቀት ዝተሃንጹን ምዃኖምን፣ ቀጥታዊ ርክባት ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ብምፍጣር፣ ኣድላዪ ሓበሬታን ውሳነታትን ኣብ ግዚኡ ንምሕላፍ ዝሕግዙ ምንባሮም ይፍለጥ። እዞም ድፋዓት ምስ ኣብ ደጀን ዝነበሩ፣ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ሎጂስቲካውን ማሕበራውን ቤት ጽሕፈታት ዝተኣሳሰሩ ምንባሮም ከኣ ንስትራተጃዊ ኣገዳስነት ናቕፋን ከባቢኣን ብዝያዳ የጉልሑ። መብዛሕትኦም እዞም ትሕተ-መሬት ገዛውቲን ድፋዓትን፣ ኣብ 1980ታት ዝተሃንጹ ኢዮም። ኣብ`ዚ እዋን፣ ኣስታት 500 ዝኾኑ ትሕተ-መሬት ገዛውቲ መበቆላዊ መልክዖም ሒዞም ክህልዉ እንከለዉ፣ ኣስታት 600 ዝኾኑ ድማ ብከፊሉ ዝዓነዉ ኢዮም። እቶም ዝተረፉ ከኣ ጠቕላላ ዕንወት ዝወረዶም ኢዮም። ዝበዝሑ ካብዞም ትሕተ-መሬት ገዛውቲ ብሰራዊት ኣብ ብሩራዊ ጽምብል ሓርነት ከተማ ናቕፋ ኣብ 2002 ከፊላዊ ጽገና ከም ዝተገብረሎም ድማ ይፍለጥ። ኣብ`ዚ እዋን ገለ ካብዞም ትሕተ-መሬት ገዛውቲ መሰረታዊ ጽገና ተገይሩሎም ከም ቤት-ጽሕፈትን መንበርን ሰራዊት፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ህዝብን ኮይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ብሓፈሽኡ፣ ግንባር ናቕፋ፣ ንጆግራፍያዊ ኣቀማምጣ፣ ወተሃደራዊ ስትራተጂ፣ ቅርጺ-መሬት ኣብ ግምት የእትዩ ኣብ ክልተ ግንባራት ዝኽፈል ኮይኑ ብተጋደልቲ ህግ ዝተፈላለየ ኣስማት ዝነበሮም ፍሉጣት ድፋዓት ክጥቀሱ ይኽእሉ። ኣብ የማናይ ወገን ግንባር ናቕፋ፣ ከም ፊደል ፐ፣ ታባ ሰላም፣ ግሎብ፡ ሪጎለ፣ ዋንጫ፣ ደንደን፣ ጓል ደንደን፣ እንዳ ናፓል፣ ፈርኔሎ፣ ቴስታ፣ ሰውራ፣ ሰምበል፣ ኣፍንጫ፣ ተዓጠቕ፣ ክቡብ ብዕራይ፣ ሽገ ዝኣመሰሉ ድፋዓት ክነብሩ ከለዉ፣ ኣብ ጸጋማይ ወገን ከም መርከብና፣ መዳት፣ ማይ ካላሽን፣ ኣርወ፣ ተኣማመን፣ ናኹራ፣ እንዳ ስጋ፣ ሳልፈር፣ ቮሊቦል፣ ኣጓዱ፣ እንዳ ክርቢት፣ ተኽሰ፣ ስፓርታኩስ፣ ሓሙኽሽቲ፣ ኩባንያ ክንጠቅስ ንኽእል። ኣስማት እዞም ድፋዓት ከም ዝእንፍቶ፣ ብተጋደልቲ ንዝተፈላለየ ኩነታት ክገልጽ ዝተዋህበ ኣስማት ኢዩ። ባህርያዊ ብድሆታት፣ ኣገልግሎት፣ መልክዕ መሬትን ቅርጺ ጎቦታትን፣ ዝተፈጸሙ ጅግንነታዊ ስርሓት፣ ርሕቀት ካብ ጸላኢ ወዘተ ኣብ ግምት የእትዮም ብተጋደልቲ ስም ዝለበሱ ድፋዓት ግንባር ናቕፋ፣ ክንዮ ኣስማቶም፣ ረቂቕ መንፈስ ዝውንኑ፣ ባህርያዊ ውርሻታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ኣብ’ዚ እዋን፣ ድፋዓት ናቕፋ፣ መዛግብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ጥራሕ ዘይኮኑ፣ ኣብ ልዕሊኦም ዝርአይ ባህርያዊ ዕንወት`ውን ሓዚሎም ዘለዉ ኢዮም። ሽሕ`ኳ ገለ ናይ ምትዕርራይን ጽገናን መስርሕ እንተተኻየደሎም፣ ዝበዝሑ ካብዞም ድፋዓት፣ ዕቱብ ቆላሕታ ዘድልዮም ኢዮም። ከተማ ናቕፋ ህያው ምስክር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እትውንን ከተማ ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ቅርጺ-መሬታ፣ ንተበላሕትነትን ውሕልነትን ኤርትራውያን ተቓለስቲ ዝገልጹ ኣሰራት ሓዚሉ ይርከብ። ምትእስሳር ስትራተጃዊ ኣጠማምታ ምስ ወተሃደራዊ ብቕዓት ዘነጽሩ፣ ዝተፈላለዩ መከላኸሊ መሰመራት፣ መአዘዚ ነቑጣታት፣ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታትን፣ ንመጻኢት ሃገር ክውን ዝገበሩ ትካላት ኣብ ቅርጺ መሬት ናቕፋ ወኪሉ ዝተዋደደ ፈጠራውነት፣ ፍሉይ ኣብነት ቃልሲ ህዝብታት ዓለም ኮይኑ፣ ኣገዳስነት ናቕፋ ብተጨባጢ ኣሰራት ብከፊሉ የነጽር። ከተማ ናቕፋ ሓንሳብ ብህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ምስ ተሓረረት ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ መላእ ሓርነት ኤርትራ ዳግማይ ዘይደፈራ፣ ትእምርቲ ጽንዓት ኤርትራውያንን ርእሲ ከተማ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኢያ። ብተወሳኺ፣ ረቂቕ መንፈስ፣ ሓድነት፣ ጽንዓት፣ መስዋእትነት፣ ጅግንነት ዝውክሉ ኣብ ከርሲ እዞም ድፋዓት ተወኪሎም ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ መንነት ዓብይ ተራ ዝተጻወቱ ክብርታት ድማ ኣካል ባህላዊ ውርሻታት ድፋዓት ናቕፋ ኢዮም። ምስ ርዝነት ታሪኻ፡ ዝተኸፍለ ሓያል መስዋእቲ ጀጋኑና፡ ስማ ንዘለኣለም ነባሪ ኮይኑ ቦኽሪ ሃገራዊ ገንዘብና ናቕፋ ክስመ ክኢሉ ኣሎ። ምዕቃብ እዞም ሓወልቲ ብረታዊ ቃልሲ ዝኾኑ ድፋዓትን ምሕብሓብ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ባህላዊ ውርሻታትን እምበኣር ተራ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኢዩ።

bottom of page