top of page

ሌላ ምስ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ከባቢ ኣስመራኣሰራት



እቲ ን1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ዝሽፍን ክፋል ታሪኽ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ጥርዚ ምዕባለ ሕብረተ-ሰባት ዝተራእየሉ መድረኽ ኢዩ። ኣብ’ዚ መዋእል፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሕርሻን መጓሰን ዝተመርኮሰ መነባብሮ ዝመርሑ ዝነበሩ ሕብረተሰባት፣ ቀወምቲ ዓድታት ክምስርቱ ከም ዝጀመሩ ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት የረድኡ። ዞባዊ ምስፍሕፋሕ ባህላውን ንግዳውን ዝምድናታት፣ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ እዞም ሕብረተ-ሰባት ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወቱ ከኣ ይፍለጥ።

እዚ መድረኽ፡ ጫፍ-ጥርዘ ምዕባለ ናይቶም ካብ 5ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ዝተራእዩ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖሎቲካውን ለውጥታት ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ክፋል ታሪኽ ዝተራእዩ ምዕባለታት ንሰፊሕ ቁጠባውን ባህላውን ትንሳኤታት የንጸባርቑ። በዚ መንጽር’ዚ ከኣ ምትእስሳር መጓሰን ሕርሻውን ንጥፈታት በቲ ሓደ ወገን፣ ከምኡ’ውን ምልፋን መሳሪሒታት ኣእማን ምስ ዝማዕበሉ ናይ ካይላ ስርሓትን መሳሪሒታት ሓጺንን ድማ በቲ ካልእ ወገን፣ ኣብ`ዚ መዋእል ዝተራእዩ ለውጥታት ኢዮም። ምስፍሕፋሕን ምድንፋዕን ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተዋደዱ ስግረ-ባሕራዊ ንግዳዊ ምትእስሳራት’ውን ኣካል ናይ`ዚ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጢ ብምዃኖም፣ ኣብ ባህላዊ ሓድግታት እዞም ሕብረተሰባት ዝተራእዩ ሕላገታት፣ ንምስፍሕፋሕ ናይ`ቲ ኣብ ኣፍሪቃን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዞባዊ ምትእስሳር ዝፈጠረ ንግዳውን ፖለቲካውን ንጥፈታት የመልክቱ። ኣብ ጽሑፋዊ ኣሰራት ዝተሰነዱ ኣሰራት፣ ጽልዋታት ስርዓተ ኣምልኾ፣ ምትእትታው መበቆል ማእከላይ ምብራቕ ዘለዎም ኣዝርእቲ ብከፊሉ ነዞም ምትእስሳራት ዘንጸባርቑ ኢዮም። ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝነበሩ ስልጣነታት ዝነበረ ባህላዊ ምትእስሳራት ብፍላይ፣ ኣብ ከም መጠራን ከስከሰን ዝኣመሰሉ ስልጣነታት 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ተሰኒዶም ይርከቡ።

ኣብ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ዝተራእዩ ለውጥታት፣ ብቀንዱ መቐጸልታ ናይቶም ቅድሚ እዚ ዘመን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእዩ ለውጥታት`ኻ እንተኾነ፣ኣብ ገለ ክፋላት ና`ይዚ ዞባ ግን፣ ኣብ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ጥራይ ዝተራእዩ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን ሓድግታት ምንባሮም በቲ ካልእ መዳይ ምጥቃሱ የድሊ። እዚ ተርእዮ`ዚ ብፍላይ ኣብቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ዝዓንበቡ ሕብረተሰባት ተንጸባሪቑ ዘሎ ኣገዳሲ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ኢዩ።

ኣብ ከባቢ ኣስመራ ካብ ከባቢ 900 ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ቀወምቲ ዓድታት ዝመስረቱ ሕብረተሰባት እምበኣር፣ ኣቐዲሙ ቅድሚ እዚ መዋእል ንዘይነበረ ባህላዊ ምዕባለታት ዘረድኡን፣ ኣብ`ቲ ከባቢ ድማ ኣቐዲሙ ንዘይተራእየ ማሕበረ-ቁጠባዊ መስርሓት ዘንጸባርቑን ኢዮም። እዚ መርትዖ፣ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፣ ኣቐዲሞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ክሊ መጽናዕቲ ምዕባለ ሕብረተሰባት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰሪጾም ንዝጸንሑ መረዳእታታት፣ ዳግማይ ንክፍተሹ ዝቐሰበ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ከኣ፣ ኣቐዲሞም ንስግረ-ባሕራዊ ጽልዋታት ከም እንኮ ድርኺት ስልጣነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘረድኡ ምጉት፣ ዘፍርስ ኢዩ።

ንስግረ-ባሕራዊ ንግዳውን ባህላውን ጽልዋታት፣ ከም ቀንድን ቀጥታውን ደፋእቲ ባእታታት ስልጣነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘመልክቱ ምጉት፣ ቅድሚ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ኣስመራ ብደቂቕ ከይተራእዩ ብምጽንሖም፣ ንርኽበታት ከባቢ ኣስመራን ኣገዳስነቶም ኣብ ስነ-ጥንታዊ መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘጉልሕ ጽሑፍ፣ ሎሚ ኣብ`ዚ ዓምዲ ቀሪቡ ኣሎ።

ከባቢ ኣስመራ፣ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ናይቶም ካብ 800 ቅ.ል.ክ.-400 ቅ.ል.ክ.፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀወምቲ ዓድታት ዝመስረቱ ሕብረተሰባት ሓዚሉ ዝርከብ ክፋል ኤርትራ ኢዩ። እዞም ሕብረተሰባት፣ ካብቶም ድሒሮም ኣብ ማእከላይ ከበሳ ኤርትራን ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያን ዝዓንበቡ ስልጣነታት፣ ብዕድመ ዝጥንትዉ ምዃኖም፣ ኣብ ስነ-ጥንታዊ መጽናዕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቦታ ይሕዙ። እዞም ሕብረተሰባት ነቶም ኣብ መጠራ፣ ከስከስ ከምኡ`ውን ቆሓይቶ ኣብ ዳሕረዋይ ፍርቂ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ዝተራእዩ ስልጣነታት ዝጸለዉ ምንባሮም ከኣ ይፍለጡ። ኣብ ከባቢ ኣስመራ ካብ 800 ቅ.ል.ክ.-400 ቅ.ል.ክ. ዝማዕበለ ዲሞግራፊካዊ ዝርግሐ፣ ብሓፈሻ፣ ኣገዳሲ ክፋል ጥንታዊ ታሪኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኢዩ።

ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ከባቢ ኣስመራ ካብ 800 ቅ.ል.ክ.-400 ቅ.ል.ክ. ዝተዘርግሑ እኩባት ሰፈራታትን፣ ኣብ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ሰምበል፣ ዑና-ጉዶ፣ ማይ-ሑጻ፣ ወኪ-ዱባ፣ ዓዲ ኣበይቶ፣ ማይ-ጭሆት ወዘተ ዝተኻየደ ኩዕታን፣ ንዓይነትን ፍልልያትን ኣብ ኣስመራ ኣብ`ቲ እዋን ዝዓንበቡ ሕብረተሰባት ዘመልክቱ ኢዮም። ኣብዞም ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት፣ ንቁጠባ፣ ኣመጋግባ፣ ዘቤታዊ ንጥፈታት፣ ንግዲ ከምኡ ከኣ ስርዓተ-እምነት ዘረድኡ መርትዖታት ሰኒዶም ይርከቡ። ንማሕበራዊ ኣቃውማ እዞም ሕብረተሰባት ዘነጽሩ፣ ክልተ ገጻት ባህላውን ቁጠባውን ምዕባለታት ድማ ኣብቶም መረዳእታታት ሰፊሮም ኣለዉ። ኣብ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ሰምበል፣ ዑና-ጉዶን ማይ-ሑጻን ዝተረኽቡ ኣሰራት፣ ካብ 9ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ.-4ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ንዝተራእዩ ምስ ፍልማዊ ምዕባለ እዞም ሕብረተሰባት ዝዛመድ በቲ ሓደ ወገን ዘጉልሑ ኮይኖም፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ማይ-ጭሆት ዝተረኽቡ ኣሰራትከኣ ንዳሕረዋይ መልክዕ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ኣብ`ዚ ከባቢ በቲ ካልእ መዳይ የንጸባርቑ። ካብ 300 ቅ.ል.ክ.-220 ቅ.ል.ክ. ዝዝርጋሕ ዕድመ ስነ-ጥንታዊ ቦታ ማይ-ጭሆት፣ ካብቶም ካልኦት ቦታታት ዝተፈልዩ ኣሰራት ዝሓቁፍ ብምዃኑ፣ ነቲ ዳሕረዋይ ክፋል ብዝያዳ ይውክል።

እዞም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝዓንበቡ ሰፈራታት፣ ዘይከም ኣብ ካልእ ክፋል ማእከላይ ከበሳ ኤርትራ ዝነበሩ ስልጣነታት ዳሕረዋይ ፍርቂ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ.፣ ኣዝዩ ውሑድ ኣሰራት ቅዲ ህንጻታት ዝውንኑ ኢዮም። ዘይምህላው ሓወልትታትን ዝማዕበሉ ቅዲ-ህንጻታትን ከምኡ ድማ ጽሑፋዊ ሓድግታትን እምበኣር፣ ንማሕበራዊ ኣቃውማ ኣንፈት ይህቡን፣ ፍሉይነት ናይቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝነበሩ ሕብረተሰባት የነጽሩን። ንማሕበራዊ ኣቃውምኦም ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፣ እዞም ሕብረተሰባት፣ ብፍላይ ኣብ’ቲ ቀዳማይ ገጽ፣ ኣብ ማዕርነት ዝተሞርኮሰ፣ ማሕበራዊ ዝምድናታት ከም ዝነበሮም ይፍለጥ። ኣሰራት ማሕበራዊ ማዕርነት ሓድጊ ናይ’ቲ ቀዲሙ ዝነበረ ኣብ መጓሰ ዝተሞርኮሰ ኣነባብራ ምንባሩ ድማ ይግመት።

ዛጊት ተገይሩ ብዘሎ መጽናዕቲ፣ እዞም ሕብረተሰባት፣ እንስሳ ዘቤት ብምፍራይ፣ ካብ ጠለ-በጊዕን ከብትን ጠለባት መግቦም ይሽፍኑ ምንባሮም፣ ዝተገብሩ መጽናዕትታት የረድኡ። ከም ኣብ ማይ-ጭሆት ዝኣመሰሉ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ከኣ፣ ካብ ደርሆን ካልኦት መጥበውትን ከምኡ ድማ ዝህደኑ ዝነበሩ ኣዕዋፍን፣ ነቲ ጠለብ ኣመጋግባ ብተወሳኺ ይምልኡ ምንባሮም ይፍለጥ። ብተመሳሳሊ እዞም ሕብረተሰባት፣ ኣብ መጓሰን ሕርሻን ዝተሞርኮሰ መነባብሮ ዝመርሑ ምንባሮም፣ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ምዕባለ እቶም ሕብረተሰባት፣ ስርናይ፣ ብርስንን እንጣጢዕን ዝኣመሰሉ ኣዝርእቲ የዘውትሩ ምንባሮምን፣ ድሒሮም ከኣ ኣብ ዳሕረዋይ ፍርቂ ናይ`ቲ መዋእል ጣፍ ኪዘርኡ ከም ዝጀመሩን ዝተረኽቡ ጭብጥታት ይሕብሩ።

ኣብ ከባቢ ኣስመራ ካብ 800 ቅ.ል.ክ.-400 ቅ.ል.ክ. ዝነበሩ ሕብረተሰባት፣ ብካልእ መዳይ፣ ኣብ ዙርያ ናይ ወርቂ ዕደናታት ከም ዝዓንበቡ ተሰኒዶም ዘለዉ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት የመልክቱ። ኣብ ዑና-ጉዶን ወኪ-ዱባን ዝተረኽቡ ኣሰራት ንኣብነት፣ እቲ ኣብ`ዚ ከባቢ ዝተራእየ ናይ`ቲ እዋን ዲሞግራፊካዊ ለውጢ፣ ብከፊሉ፣ መልሰ-ግብሪ ናይቲ ኣብ ወርቂ ዝተሞርኮሰ ዕደና ምንባሩ የነጽሩ። ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ኣእማን ተወኪሉ ዝቕረጽ ዝነበረ ምስልታት ርእሲ ብዕራይ(bull´s head)፣ ነቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝዓንበቡ ሕብረተሰባት፣ ኣብ ክሊ ስርዓተ- ኣምልኾን እምነትን( ritual and ideological manifestations) ዝጥርንፍ ዝነበረ ወግዒ ምንባሩ ተበጺሑ ዘሎ መጽናዕትታት ይሕብር። እዞም ብምስሊ ርእሲ ብዕራይ ዝውከሉ ዝነበሩ ምስልታት፣ ኣበየ-ኩርናዕ ናይዞም ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ተሰኒዶም እንረኽቦም ኣሰራት ኢዮም።

ኣብ መደምደምታ፣ ንነዊሕ እዋን ሰሪጹ ዝጸንሐ፣ ንጽልዋ ህዝብታት ደቡብ ዓረብን ኒልን፣ ከም ቀጥታዊ ደፋእቲ ባእታታት ምዕባለ ስልጣነታት ከበሳ ኤርትራ ዝገልጽ ስነ-ምጉት፣ ኣብ ሕብረተሰባት ከባቢ ኣስመራ ዘይንጸባረቑ ተርእዮታት ኢዮም። ክንድዝኾነ፣ ዝበዝሑ እዞም ሕብረተሰባት፣ ንመበቆላዊ ድፍኢት ሰረት ገይሮም ዝማዕበሉ ስልጣነታት ምንባሮም ተበጺሑ ዘሎ መርትዖታት የመልክት። ኣሰራት ሓወልትታት፣ ጹሑፋዊ ሓድግታት፣ ኣዝዮም ዝማዕበሉ ናይ ካይላ ስርሓት፣ ኣብዞም ሕብረተሰባት ከባቢ ኣስመራ ብዘይምንባሮም ከኣ፣ ነዚ ርድኢት ዝያዳ የጉልሕ። ኣብ ማዕርነት ዝተሞርኮሰ ማሕበራዊ ዝምድናታት፣ ብቀንዱ ኣካል ናይ`ዚ መበቆላዊ ድፍኢት ኮይኑ፣ እቲ ኣብ መወዳእታ ገጽ ምዕባለ ናይዞም ሕብረተሰባት ዝተራእየ

ኣብ ስነ-ጥንታዊ ቦታ ማይ-ተመናይ ዝተረኽቡ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሑኣምባርንዕንቁታትን ሒደት ምልክታት ማሕበራዊ ፍልልይ ከኣ፣ ምስ ኣብ ዳሕረዋይ ፍርቂ 1ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ዝማዕበሉ ስልጣነታት ማእከላይ ከበሳ ዝነበረ ዝምድናታት የንጸባርቑ። ኣብ ማይ-ጭሆትን ማይ-ተመናይን ዝተረኽቡ፣ ካብ ኣስራዚ ዝተሰርሑ ኣምባር፣ ዝብጦታትን ካትማትን ከምኡ ድማ ናይ እዝኒ ስልማትን፣ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታት ዝተራእየ ለውጢ ዘመልክቱ ኮይኖም፣ ምስ ከም መጠራ ዝኣመሰሉ ስልጣነታት ዝነበረ ዝምድና ክገልጹ ዝኽእሉ ኣሰራት ኢዮም። ኣብ ማይ-ተመናይ ዝተረኽቡ፣ ኣብ 400 ቅ.ል.ክ. ዝተራእዩ፣ ዝማዕበሉ ፍሉያት ናይ ካይላ ስርሓት`ውን ምስ ስልጣነታት ይሓ( ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ) ተመሳሳልነት ዘለዎምን፣ ኣብ`ቲ እዋን ክርአይ ዝጀመረ ማሕበራዊ ፍልልይ ዘነጽሩ ምዃኖምን ይፍለጥ።

እዞም ሒደት ኣሰራት ማሕበራዊ ፍልልይ፣ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ስልጣነታት ከባቢ ኣስመራ ዘይረኣዩ ስለዝኾኑ ግን፣ እቶም ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝማዕበሉ ሕብረተሰባት፣ ነቶም ድሒሮም ኣብ ማእከላይ ከበሳ ዝተራእዩ ስልጣነታት ዝጸለዉ ምንባሮም ምጥቃሱ ኣገዳሲ ኢዩ። መበቆላዊ ሓድግታት እዞም ስልጣነታት እምበኣር፣ ንጸኒሕ ርድኢት ተመራመርቲ ዝለወጠን፣ ነቶም ኣብ መጻኢ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንምዕባለ ቀዳሞት ሕብረተሰባት ዛዕባ ገይሮም ዝካየዱ መጽናዕትታት ዘማእዝኑን ኢዮም።

bottom of page