top of page

ሓፈሻዊ ሌላ ምስ ስነ-ጥንታዊ ትሕዝቶ ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ


ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ፡ ናይ ነዊሕ መዋእላት ታሪኽ ወዲ-ሰብ ዘንጸባርቑን፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ጽልዋታት ዝሓቘፉን ኣሰራት ሓዚሉ ዘሎ ክፋል ኤርትራ ኢዩ። ዝበዝሐ ክፋል ናይ’ዚ ትሕዝቶ፡ ንዳሕረዋይ መልክዕ ናይ’ቲ ብቅድመ- ታሪኽ ዝፈለጥ ምዕራፍ ዝውክል ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ሓፈሻዊ ሌላ ምስ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ቀሪቡ ኣሎ።


ስነ-ጥንታዊ ኣገዳስነት ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ፡ ምስ ርኽበት ዝተፈላለዩ ኣሰራት ተኣሳሲሩ፣ ካብ ዳሕረዋይ ፍርቂ 20 ክፍለ-ዘመን ክዓዝዝ ዝጀመረ እዩ። ኣብ 1942 ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ዝተሰነዱ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት፡ ነዚ ክውንነት’ዚ ኣብ ርእሲ ምንጽብራቖም፣ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ - ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ቅድመ-ታሪኽ ንዝተራእዩ፡ ዝተፈላለዩ ባህላውን ማሕበራውን ፍጻመታት ንምርዳእ ድርኺት ዝፈጠሩ ድማ ኢዮም። ክንድዝኾነ፡ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ዝተረኽቡ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት፣ ንዕድሚኦምን ዝህብዎ ኣንፈትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት፡ ናይቶም ባህላውን ንግዳውን ምትእስሳር ዘለዎም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስልጣነታት ኑብያን (ሱዳን)፣ ጥንታውያን ግብጻውያንን ዛዕባ ገይሮም ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ሕመረት ኮይኖምን ጸኒሖምን ኣለዉን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ 1994 ኣብ ኮከን ከባቢ ኣቑርደት፡ ዝተገብረ ስነ-ጥንታዊ ኩዕታ፣ ንዕድመ ናይቶም ኣሰራትን ባህላዊ ምትእስሳሮም ምስ ስልጣነታት ኒልን ዘጉልሕ ኢዩ። እቶም ርኽበታት፡ ብቐንዱ ምስቶም ኣብ ገማግም ጋሽን ኣጥባራን (ምብራቓዊ ሱዳን) ኣብ’ቲ ዘመን ዝዓንበቡ ስልጣነታት ቀጥታዊ ዝምድና ከም ዘለዎም ድማ ይፍለጥ። ነዚ ዝምድናታት’ዚ ኣብ ዓንኬል ስነ-ጥንታዊ መረዳእታ ብምቕማጥ እምበኣር፣ ርኽበታት ከባቢ ኣቑርደት፡ ብዛዕባ ፍልማዊ ፍልቀትን ምዕባለን ቀዳሞት ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ መነባብሮ ዘማእዘኑ ሕብረተሰባት ናይ’ዚ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ምርዳእ ዓቢ ተራ ይጻወቱ።


ኣብ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ኣቑርደት ብፍላይ ድማ ኣብ ኮከን፡ ዛጊት ተረኺቦም ዘለዉ መርትዖታት፣ ካብ 2300 ቅ.ል.ክ.- ክሳብ 400 ቅ.ል.ክ. ንዝተራእዩ ፍጻመታት ዘንጸባርቑ ኢዮም። ኣብ’ዚ መቓን ግዜ፡ ንዞባዊ ንግዳዊ ምትእስሳራት ክውን ገይሩ ዝተራእየ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለታት ከኣ፡ ሓድጊ ዝተፈላለዩ ኣብ መጓሰን ሕርሻን ዝተመርኮሰ መነባብሮ ዝመርሑ ዝነበሩ ሕብረተሰባት ምዃኑ ምጥቃስ የድሊ።


ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣገዳሲ ቦታ ንግዳዊ መራኸቢታት ዝርከብ ዞባ ኮይኑ፣ መስመራት ቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኒልን፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ብምትሕብባር ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ዝዳሎ ዓምዲ ኣብርሃም ዘርኣይ ሓፈሻዊ ሌላ ምስ ስነ-ጥንታዊ ትሕዝቶ ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ንንግዳውን ባህላውን ምትእስሳራት ስልጣነታት ናይ’ዚ ዞባ ዝጸለዉ ኢዮም። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ከባቢታት ፈለግ ኒልን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ክካየዱ ዝጸንሑ መጽናዕትታት ድማ፡ ንኣገዳስነት ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ከም ድንድል መራኸቢታት ስልጣነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኒልን ማእከላይ ባሕርን የጉልሑ። ካብ’ዚ ግዙፍ ስእሊ ብምብጋስ ከኣ፣ ኣገደስቲ ፍጻመታት ናይ ዳሕረዋይ ክፋል ቅድመ-ታሪኽ ምስ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ብምዝማድ ስዒቡ ተዘርዚሩ ኣሎ።


ምብራቓዊ ክፋል ዶባት ኤርትራን ሱዳንን፣ ካብ 5ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ክሳብ 1ይ መዋእል ድ.ል.ክ. ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ጽልዋታት ዝነበሮም ሕብረተሰባት ከም ዝተሰፍረ ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት የመልክቱ። ኣብ 4ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ብቡታና ግሩፕ ዝፍለጡ ሕብረተሰባት፣ ሩባ ኣጥባራን ጋሽን ኣብ ዝራኸብሉ መስመር ክሰፍሩ ከም ዝጀመሩን፡ ተጠቀምቲ ዞባዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ምንባሮምን ይፍለጥ። እዞም ሕብረተሰባት፡ ፈለማ ኣብ’ዚ ዞባ ከብቲ ከርብሑን ኣእካል ኪዘርኡን ዝኸኣሉ ምዃኖም ድማ ኣብ ገማግም ኣጥባራን ጋሽን ዝተሰነዱ ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት የረድኡ። ድሒሩ፡ ኣብ መወዳእታ 4ይ መዋእል ቅ.ል.ክ.- ፈለማ 3ይ መዋእል ቅ.ል.ክ.፡ መበቆላዊ መራኸቢ ሩባታት ኣጥባራን ጋሽን ናብ ህልዊ መልክዑ ስለ ዝተለወጠ፣ እቶም ንቡታና ግሩፕ ስዒቦም ኣብ ምብራቓዊ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝሰፈሩ ሕብረተሰባት፡ ነዚ መስመር ብቐጥታ ናብ ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ብምምዛን፣ ጸጋታቱ ክምዝምዙ ከም ዝኸኣሉ፡ ዛጊት ተበጺሖም ዘለዉ መረዳእታታት ይእንፍቱ። እዚ ቀጥታዊ መስመር፡ ንሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስልጣነታት ኒል ዘራኸበ ምንባሩ ከኣ፡ እቶም ድሒሮም ዝመጹ ብጋሽ ግሩፕ ዝፍለጡ ሕብረተሰባት፣ ናብ ምዕራባዊ ቈላታትን ሰሜናዊ ገማገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ብምስፍሕፋሕ፡ ካብ መጀመርታ 2ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ፣ ኣብ ማእከላይ ባርካ ቀወምቲ ዓድታት ክምስርቱ ክኢሎም። በዚ መንጽር እምበኣር፡ ካብ ከሰላ ክሳብ ከበሳ ኤርትራ ዘስፋሕፍሑ ስልጣነታት፡ ኣብ መርበብ እቲ ንከበሳታት ኤርትራ፡ ምዕራባዊ ቈላታትን ምብራቓዊ ሱዳንን ምስ ስልጣነታት ኑብያን ግብጽን ዝተኣሳሰረ ንግዳዊ ዝምድናታት ክኣትዉ በቒዖም። ስለ’ዚ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ዝተረኽቡ ኣሰራት፡ ምስቶም ብጋሽ ግሩፕ ዝፍለጡ ሕብረተ-ሰባት ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም።


ንዞባዊ ምትእስሳራት ጠቀስ ገይሩ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስልጣነታት ኑብያን ግብጽን ዝጸመደ ና`ይቲ ዘመን ቁጠባዊ ንጥፈታት ብካልእ መዳይ፣ ብመንጽር ክልተ ዓበይቲ ንመስመር ኒል ብምጥቃም ዝተዋደዱ ንግዳዊ ዘመተታት ክርአይ ይከኣል። ምስ ምስፍሕፋሕ ስልጣነ ግብጻውያን ናብ ደቡባዊ ገማግም ኒል ተዛሚዱ፣ ኣብ 4ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ዓበይቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ከም ዝተበገሰ ተሰኒዱ ዘሎ ምንጭታት ይሕብር። ካብ 3ይ-2ይ መዋእላት ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ ኣብ ገማግም ማእከላይ ኣጥባራን ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝዓምበቡ ስልጣነታት ኣብ’ዚ መርበብ ብምእታዎም ድማ፣ ጥንታውያን ግብጻውያን ንጸጋታት እዚ ዞባ ክምዝምዙ ክኢሎም። ምስ ምድረ- ፑንት ዝተኣሳሰሩ ንግዳዊ ንጥፈታት ከኣ ኣካል ናይ’ዞም ኣብ ዝተጠቕሰ መዋእላት ዝተገብሩ ንግዳዊ ወፍርታት ኢዮም። ንፈለግ ኒልን ምንጭታቱን ሰረት ገይሩ ዝተዋደደ መሬታዊ ንግዳዊ ሓዲዳት፣ ጥንታውያን ግብጻውያን ናብ ምድረ- ፑንት ንግዳዊ ወፍሪ ከበግሱ ዝሓገዘ ናይ’ቲ እዋን ፍጻመ ምንባሩ እምበኣር፣ ጥንታውያን ግብጻውያን ሓያለ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ከም ዘካየዱ ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት የመልክቱ። ምድረ-ፑንት ምንጪ ዝተፈላለዩ ክቡራት ንጥረ-ነገራት ምንባሩ፣ ጥንታውያን ግብጻውያን ካብ’ዚ ዞባ፡ ወርቂ፡ ዕጣን፡ ስኒ ሓርማዝ፡ ከብቲን ኣህባይን ይወስዱ ምንባሮም ይግለጽ። ኣገዳስነት ናይዚኣቶም፡ ኣብ’ቲ ንኣስታት 1200 ዓመታት ዝጸንሐ ናብ ምድረ- ፑንት ዝኣንፈተ ንግዳዊ ንጥፈታት ክርአ ይከኣል። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፣ ኣብቶም ካብ መቓብራት ጥንታውያን ግብጻውያን ዝተረኽቡ ኣህባይ ዝተገብረ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ከም ዘረድኦ ድማ፣ ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ፡ ከበሳን ገማግም ቀይሕ ባሕርን፡ ኣካል ናይ’ቲ ብምድረ-ፑንት ዝፍለጥ ንጥንታውያን ግብጻውያን ክቡራት ንጥረ-ነገር ዝቕርብ ዝነበረ ኣፍሪቃዊ ዞባ ምንባሩ ይፍለጥ።


ብተመሳሳሊ፡ ኣብ’ዚ መሬታዊ ሓዲድ ዝግበር ዝነበረ ንግዳዊ ልውውጥ ኦብሲድያን ዝተባህለ ናይ ጥንቲ ክቡር እምኒ፣ ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ስልጣነታት ኒል ንዝነበሮ ምትእስሳር ዘጉልሕ ኢዩ። ካብ 2ይ መዋእል ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ፣ ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ፡ ምብራቓዊ ሱዳን፡ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ደቡባዊ ዓረብን ኣብ’ዚ መርበብ ተሓቝፎም ምንባሮም ዝተፈላለዩ መርትዖታት ይሕብሩ።


ምንጪ ናይ’ዚ ክቡር እምኒ፡ ካብ እሳተ-ጐመራዊ ኣኻውሕ ለጠቕታ ደንከልን መሽመጥ ደቡባዊ ዓረብን ዝርከብ ብምዃኑ፡ ካብዞም ኣከባቢታት ዝመንጨወ ኦብሲድያን ብመሬታዊ መስመር ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ናብ ስልጣነታት ኒል ይበጽሕ ነይሩ። ምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ፣ ረብሓታት እዚ መስመር ዝፈጠሮ ማሕበራውን ቁጠባውን ለውጥታት ናይ’ቲ ዘመን ዝሰነዱ ኮይኖም ድማ ንረኽቦም።


ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ኣብ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቅድመ- ታሪኽ ዝነበሩ ሕብረተሰባት፣ ድንድል ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዝምድናታት ስልጣነታት ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃን ስልጣነታት ኒልን ምንባሮም ምኽራሩ የድሊ። ኣብ መወዳእታ 2ይ መዋእል ቅ.ል.ክ.፣ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ብምዕራባዊ ቈላታት ኤርትራ ዝሓልፍ ዝነበረ መሬታዊ ሓዲድ ከም ቀንዲ ንግዳዊ መስመር ስለ ዝተክአ፣ ኣብ ምዕራባዊ ቈላታት ዝተራእዩ ማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን መስርሓት ክድስክሉ ከም ዝጀመሩ ይእንፈት። ከም ግብረ-መልሲ ና’ይዚ ተርእዮታት ድማ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ብቀጥታዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ቀርኒ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ዓረብን ክተኣሳሰሩ ከም ዝኸኣሉ ይሕበር። ነዚ ዳሕረዋይ ኩነት ክውን ገይሩ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ማእከላይ ከበሳን፣ ስልጣነታት ክዕምብቡ ከም ዝኸኣሉን፣ ሓደስቲ ባህላውን ማሕበራውን ለውጥታት ድማ ኣብ ዝተጠቕሰ ክፋል ኤርትራ ክሕጸሩ ከም ዝጀመሩን ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት ሰሜናዊ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ይእምቱ። ኣብ ዝስዕብ ክፋላት ናይ’ዚ ዓምዲ እምበኣር ነዞም ተርእዮታት ዘንጸባርቕ ትሕዝቶታት ክቐርብ ኢዩ።

bottom of page