ስነ-ጥንታዊ ኣሰራት ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ
- May 5, 2017
- 4 min read
ስነ-ጥንታውን ጀነቲካውን መጽናዕትታት ከም ዘረድእዎ፡ ኣፍሪቃ መበቈል ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ (Homo sapiens) ምዃና ይፍለጥ። ክንዲ ዝኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት - ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ኣህጉር ዝተረኽቡ ኣሰራት፡ ነዚ ክውንነት’ዚ ዘጉልሑን ምስ ፍልቀት ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታት ዝስንዱን ኢዮም። ብመንጽር’ዚ መረዳእታ እምበኣር፡ ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ (Middle Stone Age)፡ ምስ ፍልቀት እዞም ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ዝዛመድ ኮይኑ፣ ነቲ ዘመን ዘረድኡ ባህላውን ስነ-ህይወታውን ኣሰራት ከኣ ኣገዳስነቶም ይዓዝዝ። እዚ ክፋል ታሪኽ ወዲ-ሰብ፣ ካብ ቅድሚ 200,000 ክሳብ ቅድሚ 10,000 ዓመታት ንዝነበሩ ምስ ባህላውን ስነ-ህይወታውን ምዕባለታት ዝተኣሳሰሩ ፍጻመታት ይሓቁፍ። ኣብ’ዚ ክፋል ታሪኽ ወዲ-ሰብ፣ መበቆል ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ ሰብ (Homo sapiens) ኣብ ኣፍሪቃን ድሒሩ ዝሰዓበ ፍልሰት ናይዞም ዓሌታት ናብ ካልእ ክፋል ዓለምን ተሰኒዱ ይርከብ። ተመራመርቲ ዓውዲ ስነ-ጥንቲ ድማ፡ ነዞም ፍጻመታት ብመንጽር ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ኣውሮጳን ዝርከቡ ኣሰራት ክርድእዎም በቒዖም ኣለዉ። መበቈል ናይ’ዞም ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ኣብ ኣፍሪቃን ዲሒሩ ዝመጸ ፍልሰቶም ናብ ካልኦት ክፋላት ዓለምን ብቐንዱ፣ ምስ’ቲ ኣብ’ቲ እዋን ዝተኸስተ ምዝንብዓት ዓለማዊ ክሊማ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፣ ካብ ቅድሚ 200,000 ክሳብ ቅድሚ 10,000 ዓመታት ብቐጻሊ ዝተራእዩ መዋእለ-በረድ (Glacial and interglacial periods) ከኣ፡ ንስነ-ህይወታውን ባህላውን ፍልቀት እዞም ዓሌታት ዝጸለዉ ኢዮም። ብተመሳሰሊ፣ ዛጊት ተሰኒዶም ንረኽቦም ጀነቲካዊ መረዳእታታት፡ ንመበቈልን ፍልሰትን እዞም ዓሌታት ይድርዑ። ፍልሰት እዞም ዓሌታት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ምርዳኡ ንምኽኣል ድማ፡ ነዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብ ግዙፍ-ስእሊ ናይቶም ብተኸታታሊ ካብ ቅድሚ 130,000 ክሳብ-ቅድሚ 100,000 ዓመታት ከምኡ`ውን ካብ ቅድሚ 80,000 ክሳብ-ቅድሚ 60,000 ዓመታት ዝተራእዩ ዓበይቲ ናይ ፍልሰት ፈተነታት ክርኣዩ የድሊ። በዚ መሰረት ድማ፡ ብሰሜናዊ ኣንፈት ዝፍለጥ - ንመስመር ኒል-ሲናይ ዝሓቁፍ ጆኣግራፊካዊ ሕንጻጽ፡ ከምኡ ድማ ብደቡባዊ መኣዝን ዝስመ ንደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዘመልክት መስመር፡ ንፍልሰት እዞም ዓሌታት ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ንምርዳእ ኣብ ዝግበር መጽናዕትታት መሪሕ ቦታ ይሕዙ። ፍልሰት ናይዞም ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ክፋል ዓለም፡ በዞም ክልተ መኣዝን ክውን ብምንባሩ ዝጠቕሱ መጽናዕትታት፣ ነቶም ኣብ’ዚ መስመራት ዝድህሰሱ ኣሰራት ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ብምድህሳስ፣ ኣብ’ዚ ዓውዲ ንዘለዉ ንፍልቀትን ፍልሰትን ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ ሰብ ጠቀስ ገይሮም ዝለዓሉ ስነ-ሞጐታዊ ትንተናታት ይምልሱ። ብመንጽር እዚ መረዳእታ፣ ንስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብፍላይ ከኣ ንደቡባዊ ክፋሉ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃዊ ገማግምን ወሽመጥ ዓረብን፡ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ዝተራእየ - ስግረ-ባሕራዊ ባህላዊ ዝምድናታት ምግንዛቡ ኣካል ናይዞም መጽናዕትታት ኢዩ። ኣከባብያዊ ሞዴላት ዝህብዎ ኣንፈታት ምርኩስ ብምግባር፣ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ወሽመጥ ዓረብን ዘሎ ማያዊ ኣካል፡ ኣብ መዋእለ-በረድ ክሳብ 10 ኪ.ሜ. ክጸብብ ከም ዝኽእል ይፍለጥ። ደቡባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ዳሕረዎት ከቢድ ዓለማዊ ዛሕሊ ዝተኸስተሎም ግዝያት መዋእለ-በረድ፣ ገለ ክፋሉ መሬታዊ ድልድል ስለ ዝፈጠረ፣ ንፍልሰት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝነበሩ ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ዝቐሰበ ተርእዮ ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ምንባሩ ተሰኒዶም ዘለዉ ስነ-ጥንታውን ስነ-ምድራውን ኣሰራት የረድኡ። ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝተገብሩ ስነ-ጥንታዊ መጽናዕትታት ነዚ መረዳእታታት ዘነጽሩ ብምዃኖም፣ ኣብ’ዚ ጽሑፍ ንሰነ-ጥንታዊ ርኽበታት ዓብዱርን ኣስፈትን ምስዞም ተርእዮታት ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ብምትእስሳር ንመብርሂ ቀሪቦም ኣለዉ።
ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ዓብዱርን ኣስፈትን ስነ-ጥንታዊ ቦታ ዓብዱር፡ ኣብ ምብራቓዊ መታሕት፡ ኣስታት 60 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ካብ ከተማ ምጽዋዕ ዝርከብ ቦታ ኢዩ። ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ስነ-ጥንታዊ ቦታ ዓብዱር፡ ኣብ መወዳእታ 1990ታት፡ ንማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ዘመልክቱ - ልዕሊ 125,000 ዓመታት ዝገበሩ ኣሰራት መሳሪሒታት ኣእማንን ናይ ባሕሪ እንስሳታትን ዝተዳህሰሰሉ ቦታ ኢዩ። እዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝተሰነደ ኣሰራት፣ ምስ’ቲ ኣብቲ እዋን ዝተራእየ ብ‘interglacial MI5e’ ዝፍለጥ - ንዓለማዊ ክሊማዊ ምዝንባዕ ናይቲ ዘመን ዝውክል ፍጻመ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፣ ፍልማዊ ጭብጢ ምምዝማዝ ጸጋታት ባሕሪ፡ ብቐዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ ሰብ የረጋግጽ። ከም መልሰ ግብሪ ናይ’ቲ ዓለማዊ ክሊማዊ ምዝንባዕ፣ ዝሰዓበ ደርቅን ምጽናት ዝህደና እንስሳታትን ዝፈጠሮ ጸቕጢ፣ ንምስጋም ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ካብ ለጠቕታ ደንከል ናብ ገማግም ወሽመጥ ቡሪን መጻብቦ ዙላን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዝደረኸ ተርእዮ ኢዩ። ድሒሩ ዝመጸ ምምዝማዝ ጸጋታት ባሕሪ ብካልእ መዳይ፣ ለውጢ ኣብ ስትራተጂ ኣመጋግባ እዞም ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ዘመልክት ብምዃኑ ድማ፣ ኣገዳስነት ርኽበታት ዓብዱር ብመንጽር ዝምልስዎ ኣብ መጽናዕቲ ፍልቀትን ፍልሰትን ደቂ ሰብ ዝሕቈፉ ዛዕባታት ኣገዳስነቶም ይርአ። ነዞም ፍጻመታት ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ስነ-ምድራውን ስነ-ጥንታውን ኣሰራት ዓብዱር ዝመሳሰሉ ኣብ ባሕሪ ዝርከቡ ጭብጥታት ኣገዳስነቶም ርዱእ ኢዩ። በዚ መሰረት፡ እዞም ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከም ምንጪ ምምዝማዝ ጸጋታት ባሕሪ ዝተጠቀሙሉ ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ግዝያት፡ ክፋል ናይቶም ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤስያን ወሽመጥ ዓረብን ካብ ኣፍሪቃ ዝፈለሱ ዓሌታት ስለዝኾኑ፣ ኣካል ናይ’ቲ ካብ ቅድሚ 130,000 ክሳብ ቅድሚ 100,000 ዓመታት ካብ ኣፍሪቃ ዝተበገሰ ዕዉት ናይ ፍልሰት ፍጻመ ኢዮም። ብተመሳሳሊ ርኽበታት ዓብዱር ምስ ኣብ ክላይሲስ ሪቨር ማውዝ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽቡ ኣሰራት (116,000 ዓመታት ዝገበረ) ብምትእስሳር፣ ኣብ ዓለም ፈለማ ኣሰር ምምዝማዝ ጸጋታት ባሕሪ ብቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ዝተሰነደሎም ኮይኖም ሰፊሮም ይርከቡ። - ብካልእ ወገን፡ ካብ 2005-ክሳብ 2006 ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብዝተገብረ ስነ-ጥንታዊ መጽናዕቲ፣ ኣብ ኣስፈት ዝበሃል ኣከባቢ፣ ንማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ዝውክሉ ኣሰራት ተረኺቦም። ስነ-ጥንታዊ ቦታ ኣስፈት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ መጻብቦ ዙላ፡ ኣስታት 800 ሜትሮ ካብ ህልው ገማግም ባሕሪ ርሒቑ ዝርከብን፡ ንባህላውን ስነ-ህይወታውን ምዕባለ ቀዳሞት ዓሌት ህልዊ ወዲ-ሰብ ንምርዳእ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ዘደንፍዕን ኢዩ። ዛጊት ብዝተገብሩ መጽናዕትታት፡ ካብ ቅድሚ 72,000 ክሳብ ቅድሚ 62,000 ዓመታት ምስ ዝተራእየ ካልእ መዋእል በረድ ተዛሚዲ፣ ካብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ዝተበገሰ ፍልሰት ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ ሰብ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ከም ዘጋጠመ ይፍለጥ። እዚ ፍጻመ፡ ድሒሩ ዘጋጠመ ክስተት ኮይኑ፣ ፍልሰት ናይዞም ዓሌታት ኣብ’ቲ እዋን ብደቡባዊ መኣዝን ቀይሕ ባሕሪ ምንባሩ ድማ ይጥቀስ። ብተመሳሳሊ፡ ጀነቲካዊ መረዳእታታት፡ ሓደ ክፋል ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ካብ ቅድሚ 80,000 ዓመታት ክሳብ ቅድሚ 65,000 ዓመታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ከም ዝፈለሰን፡ ምንጪ ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ዝተዘርግሑ ህዝብታት ምንባሩን የነጽሩ። ኣብ ኣስፈት ኤርትራ ዝተረኽቡ ንማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ዘመልክቱ መሳሪሒታት ኣእማን እምበኣር፣ ባህላዊ ኣሰራት ናይቶም ኣብ ስሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝፈለቑን ድሒሮም ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤስያን ወሽመጥ ዓረብን ዝፈለሱን ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ኢዮም። ብተወሳኺ ኣብ ደቡብን ምብራቕን ወሽመጥ ዓረብ ዝተረኽቡ መሳሪሒታት ኣእማን፡ ብመንጽር ዝሰነድዎ ባህላዊ ሕላገታት፣ ምስ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ገማግም ኒልን ኣስፈትን ዝተረኽቡ ኣሰራት ተመሳሳልነት የርእዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፣ ኣብ ኣስፈት ዝተረኽቡ ኣሰራት፡ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ሰፊሕ ክፋል ኣፍሪቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ማእከላይ መዋእለ ዘመነ እምኒ ዝተራእየ ሰፈራታት ኮይኖም ይስነዱ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ እዞም ኣብ’ቲ እዋን ንመሽመጥ ቡሪን መጻብቦ ዙላን ከም ምንጪ ምምዝማዝ ጸጋታት ባሕሪ ዝዳህሰሱ ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ፣ ክፋል ናይቶም ድሒሮም ናብ ደቡባዊ መኣዝን ብምእንፋት፣ ንደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ከም ድልድል ተጠቒሞም፣ ናብ ወሽመጥ ዓረብ ብመጻብቦ ባብ ኢል መንደብ ዝፈለሱ ህዝብታት ኢዮም። ኣብ መደምደምታ፣ ህልው ስነ-ሞጎታዊ ኣጠማምታ፡ ፍልቀትን ፍልሰትን ቀዳሞት ዓሌታት ህልዊ ወዲ-ሰብ ብቀንዱ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣሉ ብምዃኖም፣ ስነ-ጥንታዊ ቦታታት ዓብዱርን ኣስፈትን ኣብዞም መጽናዕትታት ፍሉይ ቦታ ይሕዙ። ንክሊማውን ፍልቀታውን መስርሓት ናይ ማእከላይ መዋእል ዘመነ-እምኒ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕምቈት ንምርዳእ ከኣ፡ መጻኢ መጽናዕትታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክሰኣሉ ኣድላዩ ይኸውን።ስእሊ2








Comments