top of page

ሓፈሻዊ መግለጺ ብዛዕባ ስነ-ጥንታዊ ትሕዝቶ ኤርትራ

  • May 5, 2017
  • 3 min read

ባህላዊ ውርሻ መግለጺ ኣገባብ መነባብሮ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ኮይኑ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ልምድታት፡ ኣገባባት፡ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ቅርስታት ከምኡ ድማ ስነ-ጥበባዊ መግለጺታትን ክብርታትን የጠቓልል (ICOMOS1: 2002).

ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዙርያ ነዊሕን ኣዝዩ ዝተወሳሰበን መዋእላት ዝሕቆፍን ንጂኦ-ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ናይ’ዚ ሃገር ከምኡ ድማ ኣብ ውሽጢ መሬታዊ ሓድነት ዘሎ ዝተፈላለየ መልክዕ ቅርጺ መሬት ክውን ገይሩ፣ ንፍልቀት ዝተፈላለዩ መጥበውትን ደቂ-ሰባትን በቲ ሓደ ወገን፣ ንምዕባለ ማሕበረ-ባህላውን ቁጠባውን ገጽታ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ታሪኽ ኣብ’ዚ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሕብረተሰባት ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ብመንጽር’ዚ ክውንነት ከኣ ኣብ ውሽጢ እዚ መስርሕ፡ መወከሲ ናይ ዝተፈላለዩ መዋእላት ታሪኽ ወዲ ሰብ ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ክፋል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስና፡ መስሕብ ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነት ምንባሩ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተረኽቡ ኣሰራት የረድኡ። ከም ኣብነት ናይ’ዚ መርትዖ ህልው መሬታዊ ሓድነት ኤርትራ መስሕብ ካብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ቅድሚ 27 ሚልዮን ዓመታት ዝሳገሙ ዓበይቲ መጥበውቲ ከም ዝነበረ ተበጺሑ ዘሎ መጽናዕትታት ይሕብር። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ግዝያት፡ ክፋል ፍልቀታዊ መስርሕ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበሩ መጥበውቲ ምዃኑ ከኣ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ይኸውን። ብተመሳሳሊ ድሕሪ 20 ሚልዮን ዓመታት ናይ’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ምዕባለ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ክፋል ለጠቕታ ደንከል ንስነ-ህይወታዊ ብዙሑነት ዝሓቁፍ ኣከባቢ ምንባሩ ዝተረኽቡ ኣሰራት የመልክቱ። እዚ ምዕራፍ ታሪኽ ንነብራ ዘለና ፕላኔት፣ ንመስርሕ ፍልቀት ቀዳሞት ዓሌታት ደቂ-ሰብን ምስኦም ዝነብሩ ዝነበሩ መጥበውትን ኣብ ኣፍሪቃ ንምርዳእ ዘኽእል ኮይኑ፣ ቅድሚ 6-7 ሚልዮን ዓመታት ንከባብያውን ስነ-ህይወታውን ዝምድናታት ናይ’ቲ እዋን ዘንጸባርቑ ስነ-ህይወታውን ስነ-ምድራውን ኣሰራት ይሓቁፍ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢንገል-ዒላን ራሞድን (ክፋል ናይ ለጠቕታ ደንከል) ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ ከኣ ነዚ ስነ-ፍልጠታዊ መርትዖታት ይድርዕ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ ኣብ ከባቢታት ቡያ (ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ) ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ መጽናዕትታት፣ ኣሰር-ህይወት ዝጸነቱ ምስ ህልዊ ዓሌት ወዲ ሰብ ቀጥታዊ ፍልቀታዊ ሓረግ ዘለዎም ዓሌት ደቂ ሰብ ዘንጸባርቕን፣ ኣብ ክሊ 1.0 ሚልዮን ክሳብ ቅድሚ 800,000 ዓመታት፣ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓጺር እዋን ንዝተራእዩ ኣገደስቲ ፍልቀታዊ መስርሓት ዘመልክትን ኢዩ። ኣብ ከባቢታት ማዕበል፡ ዲዮሊ፡ ኣላድን ሙልሒሊን ኣሞን ናይ ቡያ ዝተረኽቡ ኣሰራት ዓበይቲ መጥበውቲ እውን ኣካል ናይ’ቶም ኣብ ቡያ ዝተረኽቡ ኣሰራት ኢዩ። ክንድ ዝኾነ፡ ‘ኣህጉራዊ ቤት-ምኽሪ ታሪኻውያን ቦታታትን ህንጻታትን’ ለጠቕታ ደንከል ናይ ኤርትራ ከም ኣካል ዓቢ ስንጭሮ ምብራቕ ኣፍሪቃ (Great East African Rift Valley) ካብ ቅድሚ 1.0 ሚልዮን ክሳብ ቅድሚ 200,000 ዓመታት፣ እዞም ዓሌታት ደቂ ሰብን ዓበይቲ መጥበውትን ይነብርዎ ከም ዝነበሩን፣ ድሒሩ ከኣ ካብ ከባቢ ቅድሚ 125,000 ዓመታት ጀሚሩ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣሰር ዘርኢ ናይ’ዞም ዓሌት ደቂ ሰብ ከም ዝነበሮን፣ ተበጺሑ ዘሎ መጽናዕቲ ብሓፈሻኡ የረድእ። ብካልእ ሽነኽ፡ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብኸፊሉ ንኣሰራት ናይ በዓቲ ኣሳእል ሓዚሉ ይርከብ። እዞም ቀዳሞት ሰባት፡ ንማሕበረ-ቁጠባውን ባህላውን ዝምድናታቶም ከምኡ ድማ ስነ-ጥበባውን ፈጠራዊ ኣረዳድኦምን ዝተሰነዱሎም ኣብ በዓትን ኣኻውሕን ሰፊሮም ዘለዉ ኮይኖም፣ ብቐንዱ ንዝምድናታት ሰባት ምስ ዝሃድንዎም ወይ ዘርብሕዎም ዝነበሩ እንስሳታትን ብመልክዕ ጂኦሜትሪካዊ ውክልና ዘንጸባርቕዎም ዝነበሩ መልእኽትታትን የጠቓልሉ። ካብ’ዚ ብዘይፍለ፣ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ምስ ቀዳሞት ኣብ መጓሰን ሕርሻን ተሞርኲሶም፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ 3ይ መዋእል ቅ.ል.ክ ጀሚሮም ቀወምቲ ዓድታት ዝመስረቱን ኣንፈት ስልጣነ ዘማእዘኑን ሕብረተሰባት በቲ ሓደ ወገን፣ ድሒሩ ንዞባውን ዓለማውን ንግዳዊ ንጥፈታትን ባህላዊ ምልውዋጥን ሰረት ገይሩ ዝመጸ ክሳብ መወዳእታ ክፋል 1ይ መዋእል ድ.ል.ክ ኣብ’ዚ ክፋል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ስልጣነ ድማ ብካልእ ወገን ዝሓቘፈ ኢዩ። ኣብ ምዕራባዊ መታሕት፡ ከባቢ ኣስመራ፡ ከበሳ ኤርትራን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ እዋን ዝተራእየ ምዕባለታት ከም ኣብነት ክቐርብ ይከኣል። ብተመሳሳሊ ምስ ምምጻእ ዓበይቲ ሃይማኖታት ክርስትናን (ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን) ምስልምናን (ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን) ተኣሳሲሮም ዝተራእዩ ማሕበራውን ባህላውን ጽልዋታት ከምኡ ድማ ምስ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝዛመዱ ሓድግታት እውን ኣካል ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ኢዮም። ኣብ መወዳእታ ምስ ናይ ቀረባ እዋን ታሪኽ ኤርትራ ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ነዊሕን ዝተሓላለኸን መስርሕ ንናጽነት ተወኪሉ ምስ ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ተዛሚዱ ዝርአ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን ኣገዳሲ ምዕራፍ ታሪኽና ኢዩ። ሃገርና ኤርትራ እምበኣር ነዚ ኣብ ንውሓት መድረኻት ታሪኽ ወዲ ሰብ ዝውደን ሃገራዊ፣ ዞባውን ዓለማውን ኣገዳስነት ዘለዎ ባህላዊ ውርሻ ትውንን። ብመንጽር እዚ ድማ ህልው መልክዕ ህዝብን ባህልን ኤርትራ ነጸብራቕ ናይ’ዚ መስርሕ ኮይኑ፣ ንምድህሳሱ፡ ምጽንዑን ንህዝቢ ምልላዩን ኣገዳሲ ይኸውን። ኣብ ዝሓለፋ 25 ዓመታት ነዚ ዕማም ብትካላዊ መልክዕ ክትግበር ጸኒሑን ኣሎን። ብካልእ ሸነኹ ከኣ ዝበዝሐ ክፋል ናይ’ዚ ውርሻ ብዕምቈት ክጽናዕ ከም ዘለዎ ምጥቃስ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ጀሚሩ ከኣ ብሓድሽ ኣወዳድባ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን ነዚ ዕማም ክውን ንምግባር ካብ ኮለጃት ሃገርና ዝተመረቑ ኣባላት ናብ ኩሉ ዞባታት ብምምዳብን፡ በብእዋኑ ስልጠናታት ብምሃብን ተበግሶታት ክወስድ ጀሚሩን ኣሎን። ብሓፈሽኡ ንባህላዊ ውርሻ ንህዝቢ ምልላዩን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ክግበር ዘለዎ ዕማም፡ ደረጃ ብደረጃ ይዓቢ ብምህላዉ፡ ሚኒስትሪ ዜና ብዝፈጠሮ ባይታ ምስ ኮምሽን ባህልን ስፖርትን፡ ሃገራዊ ቤተ-መዘክርን ካልኦት መሻርኽትን ብምትሕብባር፡ ኣብ ኩሉ ክፋል ማዕከናት ዜናን መድያን ነዚ ኣርእስቲ ንምድህሳሱን ፍሉይነት ባህላዊ ውርሻ ኤርትራ ንምንጽብራቑን፡ እዚ መደብ ይጅምር ኣሎ። ነዚ መደብ ከም ባይታ ብምውሳድ ከኣ፡ ኣብ ዝስዕቡ ዓምድታት ሰፊሕን ሃብታምን ስነ-ጥንታዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ሓደ ብሓደ ክድህሰስን ንህዝቢ ክላለን ኢዩ።

 
 
 

Comments


bottom of page